Lt. David P.P. Cracknell with Eritrean police troops

ብሪጣንያ፡ ታሪኽ ዘይርስዖ በደል

ትግርኛ News

ዝምታ ብሪጣንያ ቀንዲ ዕላማኡ ኤርትራ ብቑጠባ ርእሳ ከምዘይትኽእል ኣእሚንካ፡ መሰረታዊ መሰል ህዝባ ነፊጉን ጓዕጺጹን ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባራ’ዩ ነይሩ። እዚ ታሪኽ ዘይርስዖ በደል’ዚ፡ ንብሪጣንያ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ተሓተትቲ ናይ’ቲ ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝወረደ ኣደራዕን ዕንወትን ይገብራ።

ድሚ 70 ዓመታት – ምስ ምዝርዛር ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ካብ ኣፍሪቃ – ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት (ሊብያን ሶማልያን) ናጽነተን ክወሃበን ከሎ፡ ኤርትራ ግን ተነፊጉዋ። ኣብ 1950ታት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ ውሳነ ፈደረሽን ኣብ ዝጸደቐሉ፡ “ብዓይኒ ፍትሒ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ። እንተዀነ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓ ሕ.መ. ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ንስለ ኣህጉራዊ ጸጥታን ሰላምን፡ ኤርትራ ምስ’ታ መሓዛና ዝዀነት ኢትዮጵያ ክትቊረን ኣገዳሲ ይኸውን።” ብዝብል ተጻባኢ መርገጺ ኣመሪካ ዘጒልሐ ቃላት፡ ነቲ ንኤርትራን ህዝባን ብጉልባብ “ፈደረሽን” ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ንምእታዋ ዝተኣልመ ፖለቲካዊ ውዲት ኣነጺሩዎ እዩ።

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንኢጣልያ ስዒሩ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዝተኸለ እንግሊዝ’ውን፡ ኤርትራ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተመቒላ፡ ካብ ካርታ ዓለም ክትሕከኽ ዝተኣመመ ውጥን ቤቪን-ስፎርዛ፡ ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ ግጭት ንምልዕዓል ዝኣለሞ ውዲት ብንቑሕ ቃልስን ጥሙር ሓድነትን ኤርትራውያን ምስ ፈሸሎ፡ ኣይደቀሰን። ንፖለቲካዊ ውዲቱ፡ ኤርትራ ብቑጠባ ርእሳ ኣይትኽእልን’ያ ብዝብል ቍጠባዊ ምጉት ክድርዖ ብምውሳን ከኣ፡ ኢጣልያ ዝሃነጸቶ ቊጠባዊ ትካላትን ትሕተ-ቅርጽን ምዕናው፡ ምሻጥን ምግዓዝን ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ገለ ካብ’ቲ ሽዑ ኰነ ኢልካ ዝዓነወ ትካላትን ትሕተ-ቅርጽን፦

  • ኣብ ባጽዕ ዝነበረ፡ 1000 ባሕረኛታት ዝሕዝ በዓል 75 ህንጻታት መደበር ሓይሊ ባሕሪ ተደምሲሱ። እዚ መደበር’ዚ፡ 500 ዓራውቲ ዝነበሮ ሆስፒታል፡ መዕቈሪ ነዳዲ ታንከራት፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ጀነረተራት፡ ናውቲ መዘሓሓሊ፡ መኽዘናትን ካልእን ዘጠቓልል’ዩ ነይሩ። (መጽሓፍ: Eritrea on the Eve)
  • ኣብ ባጽዕን ዙላን ዝነበረ ፋብሪካታት ስሚንቶ፡ ንኣሽቱ መዓርፎ ነፈርቲ (aerodrome)፡ ተንሳፋፊ መዐሸጊ፡ 5 ዓበይቲን ንኣሽቱን ክሬናት፡ 500 መዕረቒ ነዳዲ ታንከራት፡ ፋብሪካ ፖታሽን ካልእን ተተነቒሉ ተሸይጡ።
  • ኣብ ዓሰብ ዝነበረት መደበር ሬድዮ፡ ፋብሪካ ጨው፡ 300 ባጎኒታት ባቡር-ምድሪ፡ ከምኡ’ውን ንኣቑርደት ብመንገዲ ባቡር ምስ ጎንደር ንምርኻብ ዝኣተወ ናውቲ፡ ተሸይጡን ግዒዙን።
  • ካብ ኣስመራ ክሳብ ባጽዕ ዝተዘርግሐ 75 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ቴለፈሪካ ተሸይጡ።
  • ወርቂ ንምዕዳን ኣብ ቢሻ ተዋዲዱ ዝነበረ መሳርሒታት፣ ከምኡ’ውን መመስርሒ ዓሳ ትካላት ተተነቒሉ ግዒዙ።

እቲ ልዕሊ 600 ዝበጽሕ ንኣሽቱን ዓበይትን ኢንዱስትሪታት (መጽሓፍ: Eritrea: A colony in Transition)፡ ናብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ የመን፡ ፓኪስታን፡ ማልታ፡ ግብጺን ካልኦትን’ዩ ግዒዙ። ብገንዘብ ክትመን ከሎ፡ በቲ ናይ’ቲ እዋን’ቲ ገምጋም፡ 1.7 ቢልዮን ሽልንግ ኣፍሪቃ ይበጽሕ። ዝምታ ብሪጣንያ ቀንዲ ዕላማኡ ኤርትራ ብቑጠባ ርእሳ ከምዘይትኽእል ኣእሚንካ፡ መሰረታዊ መሰል ህዝባ ነፊጉን ጓዕጺጹን ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባራ’ዩ ነይሩ። እዚ ታሪኽ ዘይርስዖ በደል’ዚ፡ ንብሪጣንያ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ተሓተትቲ ናይ’ቲ ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝወረደ ኣደራዕን ዕንወትን ይገብራ።

እዚ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ተኸታተልቲ መንግስታት ብሪጣንያ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲን ድሕሪኡን ዝፈጸምዎ በደላት’ውን ብዙሕ’ዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፦

  • ንስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን (ደርግ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ምስ ሕብረት-ሶቭየት ድልዱል ኪዳን እናሃለዎ)፡ ቊጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ደገፍ ብምሃብ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምቚጻይ ዝከኣሎም ጽዒሮም።
  • ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት ቃልስን ረዚን መስዋእትን ኣብ ኣፈፌት ናጽነት ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ሰውራ ኤርትራ ንሕቶ ናጽነት ገዲፉ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብምዃን ካልእ ኣማራጺታት (መሰል ርእሰ-ምምሕዳር) ከናዲ ክሓባብሉ ፈቲኖም።
  • ኣብ ኲናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000)፡ መርገጺ እንግሊዝ ንልዕልና ሕጊ ዝድግፍ ኣይነበረን። ሕብረት ኤውሮጳ (እንግሊዝ ኣባሉ’ያ) ኣውሓሲ ኮይኑ ክታሙ ዘንበረሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ባይታ ከይትግበር ካብ ዝዕንቅፉ ዝነበሩ ሓይልታት መንግስቲ እንግሊዝ ብቐዳምነት ይጥቀስ። እዚ ከይኣክል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቶኒ ብሌር፡ ነቲ ባዕሉ ዘቘሞ “ኮሚሽን ኣፍሪቃ” ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ብኣቦ-መንበርነት ክመርሖ ኣብ ርእሲ ምምዛዙ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቐያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣወንዚፉ፡ “ሕድገት” ክገብር የማልድ ነይሩ።
  • ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ፡ ‘APPG’ (All Party Parliamentary Group) ተባሂሉ ዝፍለጥ ምስ ወያነ ብዝደናገጹ ኣባላት ዝቘመ ጉጅለ፡ ኣንጻር መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ተጻብኦ ኣጀንዳ ብወግዒ ከሳሲ ምጽንሑ፡ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ።

እዚ፡ ምስ’ቲ ጸለውቲ ዝበሃላ ማዕከናት ዜና ኣንጻር ኤርትራ ከካይድኦ ዝጸንሓ ዘንቀደ ናይ ምጽላምን ምስይጣንን ጽዑቕ ዘመተ ተደሚሩ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዘይበልየሉን ዘይምኽኑይን ይቕረ ዘይብሃሎ ተጻብኦ ብሪጣንያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ’ዩ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
11 ሚያዝያ 2023